16 ‘እዛ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ቀይሕ ግምጃን ዝተኸድነት፥ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን ዝተሸለመት፥ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!
ንስኻ ዘፅልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፤ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ እምባ እግዚኣብሄር ኣስፈርኩኻ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።
መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤ ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥ ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ። ኣብ ልዕሊ ቐይሕ ኣራዊት ዝተቐመጠት ሰበይቲ ኸዓ ረአኹ። እቲ ኣራዊት፥ ስማት ፀርፊ ኣብ ሰብነቱ መሊእዎ ነበረ። ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንትን ድማ ነበሮ።
እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።
ንሳ ኽትነድድ እንተላ፥ ነቲ ዝወፅእ ዝነበረ ትኪ ምስ ረአዩ ኸዓ፥ ‘ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስል ከተማ፥ ከቶ ኣይነበረትን’ እናበሉ ኣእወዩ።
እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።