12 ጥሪታቶም ከዓ፥ ወርቅን ብሩርን፥ ክቡር እምንን ሉልን፥ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ክዳንን፥ ሃርን ቀይሕ ግምጃን፥ ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዅሉ ዕፀዋትን፥ ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥ ብኽቡር ዕንፀይትን ብነሃስን ሓፂንን እምነ በረድን ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥
“ሓሻኽርካ ምፅራብ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዝኽእሉ እፈልጥ እየ እሞ፥ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ዝግባን ፅሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ሓሻኽረይ ምስ ሓሻኽርካ ኽሰርሑ እዮም።
መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤ ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥ ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ። ኣብ ልዕሊ ቐይሕ ኣራዊት ዝተቐመጠት ሰበይቲ ኸዓ ረአኹ። እቲ ኣራዊት፥ ስማት ፀርፊ ኣብ ሰብነቱ መሊእዎ ነበረ። ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንትን ድማ ነበሮ።
እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።
እቶም ነዝ ነገራት እዙይ እናሸጡ፥ ብኣኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ፥ ነቲ ስቓያ ፈሪሖም፥ ኣብ ርሑቕ ደው ክብሉ እዮም። ከምዙይ እናበሉውን ክበኽዩን ክሓዝኑን እዮም፦