11 “እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ነጋዶ ኸዓ፥ ደጊም ፅዕነት መራኽቦም ዝዕድገሎም ስለ ዘየለ፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
ብወርቅን ብብሩርን ካብ ምንጋድ፥ ብኣኣ ምንጋድ ይበልፅ።
መንግስቲ ባቢሎን ዕንቊ መንግስታት፥ ኵርዓት ከለዳውያን እያ። ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዘፍረሰን ከፍርሳ እዩ።
ኵሉ ዕድል እቶም ዝደኸምክሎም፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም፥ መናግድትኺ ዝነበሩ፥ ነናብ መንገዶም ፋሕ ክብሉ እዮም፤ ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።”
እቶም ሽማግለታት ጌባልን እቶም ጠቢባንን፥ ነቲ እተሰብረ ዘዐርዩ ኣብ ማእኸልኪ ነበሩ፤ ኵላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን ንግዶም ክለዋወጡኺ ኣባኺ ነበሩ።”
ኵሉ ህዝቢ ከነዓን ጠፊኡ፥ እቶም ብሩር ዝተሸከሙ ጠፊኦም እዮም እሞ፥ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ ብኸዩ።
ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።
እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም፥ ገሊኣቶም ናብ ግራቶም ከዱ፤ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ንግዶም ከዱ።
ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
እቶም ነዝ ነገራት እዙይ እናሸጡ፥ ብኣኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ፥ ነቲ ስቓያ ፈሪሖም፥ ኣብ ርሑቕ ደው ክብሉ እዮም። ከምዙይ እናበሉውን ክበኽዩን ክሓዝኑን እዮም፦
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”
ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።
“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።