1 ድሕሪዙይ፥ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነፀብራቕውን፥ ምድሪ በርሀት።
እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።
መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ፥ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን፥ ወዲ ሰብ ዝመፀሉ መዓልቲ እውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ።
ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
እቲ መልኣኽ ከዓ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ምስጢር እታ ሰበይትን፥ ምስጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን፥ ኣነ ኽነግረካ እየ።
እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።