Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 17:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 “ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ፥ ኣብዙይ እዩ ዘሎ። እቶም ሸውዓተ ኣራእስ፥ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ፥ ሸውዓተ እምባታት እዮም። ንሳቶም ከዓ ሸውዓተ ነገስታት እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 17:9
10 Referencias Cruzadas  

“ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”


ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።


ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።


“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል።


ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።


እምበኣርከስ፥ ጥበብ ኣብዙይ እዩ ዘሎ፤ ቍፅሪ እቲ ኣራዊት ቍፅሪ ሰብ እዩ እሞ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይፀብፅቦ። እቲ ቝፅሩ ኸዓ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን እዩ።


እታ ዝረአኻያ ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ እትነግስ፥ ዓባይ ከተማ እያ” በለኒ።


ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ። ኣብ ልዕሊ ቐይሕ ኣራዊት ዝተቐመጠት ሰበይቲ ኸዓ ረአኹ። እቲ ኣራዊት፥ ስማት ፀርፊ ኣብ ሰብነቱ መሊእዎ ነበረ። ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንትን ድማ ነበሮ።


እቲ መልኣኽ ከዓ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ምስጢር እታ ሰበይትን፥ ምስጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን፥ ኣነ ኽነግረካ እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos