Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 17:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 17:8
28 Referencias Cruzadas  

ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።


ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እቲ ዝኸበረ ቅዱስ እምባን፥ ድንኳን ቤተ መንግስቱ ኽተክል እዩ። ግና ናብ ፍፃሜኡ ኽበፅሕ እዩ፤ ዝሕግዞውን የብሉን።”


ሽዑ ኣነ፥ እቲ ንእሽተይ ቀርኒ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ድምፂ ዓብዪ ቓል ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተልን፥ ስጋኡ ኣብ ሓዊ ኽሳዕ ዝድርበን ጠመትኩ።


ግና ዙፋን ፍርዲ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ፈፂሙ ምእንቲ ኽፀንትን ክጠፍእን ከዓ ግዝኣቱ ኻብኡ ኽውሰድ እዩ።


ካብቲ ባሕሪ ድማ፥ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወፁ።


ድሕሪዙይ ብራእይ ለይቲ፥ መፍርሕን መደንገፅን የመና ብርቱዕን ዝኾነ፥ ራብዓይ ኣራዊት ረአኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓፂን ነበሮ፤ ይውሕጥን፥ ነቲ ዝተረፈ ኸዓ በእጋሩ ይረግፆን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት ፍሉይ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፤ ዓሰርተ ኣቕርንቲ እውን ነበሮ።


ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።


ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።


ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።


ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።


ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዅሉ ስራሑ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ እዩ።’


ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።


እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።


ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና፥ ምእንታና ተገሊፁ እዩ።


ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።


እቲ ቕድም ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዘየለ ኣራዊት፥ ሻምናይ እዩ። ካብ እቶም ሸውዓተ ኸዓ ሓደ እዩ። ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ።


ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።


እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።


ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።


ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።


ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።


እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos