6 እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ብደም ቅዱሳንን፥ ብደም እቶም መሰኻኽር ኢየሱስን፥ ሰኺራ ረአኽዋ። ምስ ረአኽዋ ድማ፥ የመና ተገረምኩ።
ክጥምት እንተለኹ ኸዓ እቲ ቐርኒ፥ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን እግዚኣብሄር ኲናት ኣዊጁ ሰዓሮም።
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም መታለልቲኸ፥ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ፥ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ እንትውሕጦ ስቕ እትብል?
“ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ።
ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኸፍስሱ እንተለዉ ድማ፥ ባዕለይ ምስኣቶም ተሰማሚዐ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲ እውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ።
ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።
ምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምእንቲ ኽዛረብን፥ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዅላቶም፥ ምእንቲ ኸቕትሎምን ከዓ፥ እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ እስትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ።
ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።
ደም ቅዱሳንን ደም ነቢያትን ኣፍሲሶም እዮም፤ ንስኻ ኸዓ፥ ደም ኣስተኻዮም፤ ይግብኦም እዩ እሞ” እንትብል ሰማዕኹ።
ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።