5 ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ።
ሕፍረት ገፆም ይምስክረሎም ኣሎ፤ ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፤ ኣይሓብእዎንውን፤ ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምፅኡ ኣለዉ እሞ፥ ንነፍሶም ወይለኦም!
ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤
መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።
እቲ ናይ ዓመፅ ምስጢር፥ ድሮ እኳ ይሰርሕ ኣሎ፤ እንተ ኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ፥ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ፥ ኣይግለፅን እዩ።
ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረአኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ናይተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልን ምስጢር፥ እዙይ እዩ፤ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፥ ናይተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት መላእኽቲ እዮም፤ እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልውን፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት እየን” በለኒ።
ንሬሳኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዝተሰቕለላ ዓባይ ከተማ፥ ከንብሮ እዩ። ንሳ ብመንፈሳዊ ምሳሌ፥ ሰዶም ወይ ግብፂ እትብሃል እያ።
ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።
እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።
እቲ መልኣኽ ከዓ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ምስጢር እታ ሰበይትን፥ ምስጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን፥ ኣነ ኽነግረካ እየ።
ንሱ ኸዓ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መሕደሪ ኣጋንንትን፥ ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፥ ሰፈር ኵሉ ርኹስን፥ ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤
ብድሕሪዙይ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ፥ ከምዙይ እናበለ፥ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ፥ ከምዙይ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ! ደጊም ከዓ፥ ከቶ ኣይትርከብን እያ።
ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።
“ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም።