Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 17:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 17:2
14 Referencias Cruzadas  

ባቢሎን፥ ንዅላ ምድሪ እተስክር ኣብ ኢደይ ከም ዘላ ፅዋዕ ወርቂ ነበረት። ህዝብታታ ከዓ ኻብ ወይና ሰትዮም ዓበዱ።


እዙይ ዝኾነ ቅጥዒ ብዝሰኣነ ፅባቐ፥ መጋገዪትን ጠንቋሊትን ዘማዊትን ብምዃና እዩ፤ ንሳ ብዘማዊነታ ንኣህዛብ፥ ብጥንቁልናኣ ድማ ንወገናት ዝሸጠት እያ።


“ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ።


ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።


እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፤ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም።


እግዚኣብሄር፥ ሓሳቡ ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ሓደ ሓሳብ ኮይኖም፥ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎ፥ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ እሞ።


ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ።


እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።


ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”


ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።


“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።


ስለዙይ ኣነ ኣብ ዓራት መከራ፥ ክድርብያ እየ። ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸዓ፥ ካብቲ ተግባራቶም እንተ ዘይተነሲሖም፥ ናብ ብርቱዕ መከራ ኸእትዎም እየ።


ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።


ከምኡውን፥ ካብ ምቕታሎምን ወይ ካብ ምጥንቋሎምን ወይ ካብ ምንዝርናኦምን ወይ ካብ ስርቆምን፥ ኣይተነስሁን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos