16 እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።
ኣብ ድንኳነይ ዝነብሩ ሰባት ብስጋ ኸፍቱ፥ ዘይፀገበ መን ይርከብ ኢሎም እንተ ዘይኮይኖም፥
ክፉኣት ዘጨንቑኒ ፀላእተይ፥ ንስጋይ ክበልዑ ምስ ቀረቡ፥ ንሳቶም ተሰናኺሎም ወደቑ።
እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።
ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፥ ነቦኣ ስለ ዘዋረደት ብሓዊ ትቃፀል።
ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።
እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።
እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም እዮም፤ እቲ ሓደ ሕዚ ኣሎ፤ እቲ ሓደ ገና ኣይመፀን፤ ምስ መፀ ድማ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኽፀንሕ እዩ።
እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።
ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።
ስጋ ነገስታትን፥ ስጋ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ስጋ ሓያላትን፥ ስጋ ኣፍራስን፥ ስጋ ናይቶም ዝተቐመጥዎምን፥ ስጋ ዅሎም ሰባትን፥ ጭዋታት ኮኑ ባሮት፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን።