Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 17:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 “እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ገና መንግስቶም ዘይተቐበሉ፥ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግና ምስቲ ኣራዊት፥ ከም ነገስታት ኮይኖም፥ ንሓንቲ ሰዓት ስልጣን ዝቕበሉ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 17:12
12 Referencias Cruzadas  

ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ኣቕርንቲ ዝወደቑ፥ ደሓር ዝወፀ ንእሽተይ ቀርኒን፥ እቲ ኣዒንቲ ዝነበራኦ፥ ብትዕቢት ዝዛረበሉ ኣፍ ዝነበሮ፥ ትርኢቱ ድማ ኻብቶም ካልኦት የመና ዘፍርሕ ዝነበረ ቐርኒ፥ ክፈልጥ ደለኹ።


እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸዓ፥ እቶም ካብዝ መንግስቲ እዙይ ዝትስኡ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፤ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ፥ ካብቶም ቀዳሞት ዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ፥ ካልእ ክትስእ እዩ፤ ንሰለስተ ነገስታትውን ከውርዶም እዩ።


“ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ኣህዛብን፥ ዝተፈላለየ ቛንቋታት ንዝዛረቡ ህዝብን፥ ነገስታትን፥ ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ” በለኒ።


ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።


ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።


እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።


ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።


ክንድዙይ ዝኣክል ሃብቲ፥ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩሞ።’ ኵሎም ኣዘዝቲ መራኽብን፥ ብመራኽብ ነናብ ስፍራኣቶም ዝጐዓዙ ሰባትን፥ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝነግዱ ዅሎምን፥ ኣብ ርሑቕ ቆሙ።


እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos