11 እቲ ቕድም ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዘየለ ኣራዊት፥ ሻምናይ እዩ። ካብ እቶም ሸውዓተ ኸዓ ሓደ እዩ። ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ።
‘እቲ ኽማረኽ ዘለዎ፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ፥ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።’ እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግስትን እምነትን ዝረአ ኸዓ፥ ኣብዙይ እዩ።”
ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ።
ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን፥ ንሞት ከም ዝተሓረደ ኾይኑ ረአኽዎ፤ እቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ቍስሉ ግና ሓወየ። ምድሪ ብምልእታ ድማ፥ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት።
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።