4 እቲ ሳልሳይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ናብ ሩባታትን፥ ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ። ንሳቶምውን ደም ኮኑ።
ንሩባታቶምን ንወሓዚ ማዮምን፥ ምስታይ ምእንቲ ኽስእኑ፥ ናብ ደም ለወጦ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
ንእምባታቱ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ፤ ኣብቲ በረኽትኻን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ሩባሩባታትካን፥ ብሰይፊ ዝተቐትሉ ኽወድቁ እዮም።
ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት።
እዚኣቶም፥ በተን ዝንበዩለን መዓልቲታት፥ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም፥ ንሰማይ ክዓፅውዎ ስልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልውጥዎ፥ ንምድሪ ኸዓ፥ ብዝደለይዎ ዓይነት ክቐስፍዋ፥ ስልጣን ኣለዎም።
ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።
እቲ ኣብ ማያት ስልጣን ዘለዎ መልኣኽ ድማ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን ቕዱስ፥ ከምዙይ ጌርካ ስለ ዝፈረድካ፥ ፃድቕ ኢኻ።