Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 16:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ዝምዘን በረድ፥ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መቕሰፍቲ የመና ዝኸፍአ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰባት፥ ብሰንኪ እቲ መቕሰፍቲ በረድ፥ ንእግዚኣብሄር ፀረፍዎ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 16:21
15 Referencias Cruzadas  

ኣብ መዛግብቲ በረድዶ ኣቲኻ ትፈልጥ? ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ?


ንእኡ ንጊዜ መከራን ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።


እምበኣር ፅባሕ በዛ ሰዓት እዚኣ፥ ግብፂ ኻብ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፥ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ እንስሳን ናብ ልዕሊ ዅሉ በቝሊ ገራሁን በረድ ክወርድ እዩ” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ።


ንሳቶምውን ሸጊርዎምን ጠምይዎምን፥ ኣብታ ሃገር ከርተት ክብሉ እዮም። የመና ምስ ጠመዩ ድማ፥ ተቘጢዖም ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ናብ ላዕሊውን ክጥምቱ እዮም።


ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝመርጉ ሰባት፥ ክወድቕ እዩ በሎም። ዝደማስስ ዝናም ክዘንም እዩ፤ ኣውሎ ንፋስ ከዓ ኸፍርሶ እዩ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብመዓተይ ህቦብላ ንፋስ ክሰድድ ብቝጥዓይ ድማ ዝደማስስ ዝናም ከዝንም፥ ብመዓተይውን ዘጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ።


ካብ እስራኤል ሃዲሞም፥ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን እንትወርዱ ኽሳዕ ዓዜቃ ዝበፅሑ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ደንጐላታት በረድ ኣውረደሎምሞ ሞቱ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሰይፊ ዝቐተልዎም፥ እቶም ብደናጉል በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።


እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።


ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ።


እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።


እቲ ቐዳማይ መልኣኽ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዝተሓወሶ በረድን ሓዊን ድማ መፀ፤ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ነደደ፤ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፤ ኵሉ ለምለም ሳዕሪውን ነደደ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos