Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 16:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 16:2
22 Referencias Cruzadas  

ንስኻ ድማ ካብ ፅንዓት እቲ ሕማም ዝተልዓለ ኣምዑትካ በብጊዜኡ ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ብብርቱዕ ሕማም ኣምዑት ክትውቃዕ ኢኻ።”


ድሕሪ ዅሉ እዙይ ድማ፥ እግዚኣብሄር ብዘይፍወስ ሕማም ኣምዑት ወቕዖ።


ካብ ሰማይ ንንፋስ ምብራቕ ኣተስኦ፤ ብሓይሉውን ንንፋስ ደቡብ ኣምፅአ።


ስለዙይ ጐይታ ንናላ ኣዋልድ ፅዮን ከንኵዖ፥ ንሕፍረተን ከዓ ኽቐልዖ እዩ።”


ከምዙይውን ክኸውን እዩ፤ ክንዲ ምዑዝ ሽቱ ሕማቕ ጨና፥ ክንዲ ቕናት ከዓ ገመድ፥ ክንዲ ቝናኖውን ነዃዕነት፥ ክንዲ መጐናፀፍያ ከዓ ወጮ፥ ክንዲ ፅባቐ መልክዕውን በሰላ ንዳድ ሓዊ ክኸውን እዩ።


ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስለ ዘይሃበ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ሓሲኹ ኸዓ ሞተ።


እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ።


እግዚኣብሄር ክትሓውዩሉ ብዘይትኽእሉ፥ ብሕሱም ሕበጥ ኣብ ብርክኹምን ኣብ ዳንጋኹምን ካብ ከብዲ እግርኹም ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኹም፤ ክወቕዐኩም እዩ።


እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ሕማም ከርሕቕ እዩ። እቲ ዅሉ እትፈልጥዎ ዘስካሕክሕ ሕማም ግብፂ ድማ ኣየምፅአልኩምን እዩ። ናብ እቶም ኵሎም ዝፀልኡኹም ግና እዝ ዅሉ ኸምፅአሎም እዩ።


ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ።


እቲ ኣብ ደመና ዝተቐመጠ ኸዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፤ ምድሪ እውን ተዓፀደት።


ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰዓቦም፦ “እቲ ነዝ ኣራዊት እዙይን ንምስሉን ዝሰገደ፥ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱ ማሕተሙ ዝተቐበለ፥


ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።


ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ።


እቲ ቐዳማይ መልኣኽ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዝተሓወሶ በረድን ሓዊን ድማ መፀ፤ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ነደደ፤ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፤ ኵሉ ለምለም ሳዕሪውን ነደደ።


መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ኣዛጦን ከበደቶም፤ ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ህዝብን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም።


ናብ ጌት ምስ ወሰድዎ ኸዓ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ብዓብዪ ድንጋፀ ቐፅዓ፤ እቶም ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ ብየመና ዓብዪ ፍርሒ ኣዕገርገሩ። ንሰብ እታ ኸተማውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ብሕማም ሕበጥ ቀፅዖም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos