Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 16:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 16:12
15 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ።


“ካብ ሰሜን ንሓደ ኣተሳእኽዎ፤ መፀውን፤ እቲ ኻብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፅእ፥ ስመይ ዝፅውዕ እዩ፤ ከምቲ ሰራሒ መሬት ንጭቃ ዝረግፆ፥ ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም።


ንእምባታትን ኰረብታታትን ከባድሞም፥ ንዅሉ በቝልታቶምውን ከንቅፆ እየ፤ ንሩባታት፥ ደሴታት ክገብሮም እየ፤ ንዒላታትውን፥ ከንፅፎም እየ።”


ንመዓሙቝ ባሕሪ ‘ደረቕ ኩን’ ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ።


ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።


ምእንትዙይ እንሆ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓቢይን ፈለግ፥ ንሱ ኸዓ ንንጉስ ኣሶርን ምስ ኵሉ ኽብሩን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከምፅአሎም እዩ፤ ንሱውን ንዅሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኵሉ ገማግሙ ኽውሕጅን እዩ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኽጣበቐልኪ፥ ሕነኺ ድማ ኽፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ባቢሎን ከንፅፎ፥ ንዒላታታ ኸዓ ኸንቅፆ እየ።


እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እንሆ እቲ፥ ሳልሳይ መከራ፥ ቀልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።


“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።


ንዘለኣለም ህያው ናይ ዝኾነ ማሕተም ዝሓዘ፥ ካልእ መልኣኽ፥ ካብ ምብራቕ ክወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ኸዓ፥ ነቶም ንምድርን ንባሕርን ክጐድኡ ስልጣን ዝተውሃቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ፀውዖም እሞ፥


“ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ፍትሓዮም” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos