1 ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።
ንቝጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ መንግስታት ኣፍስሶ።
ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።
ንሱ ኸዓ ነቲ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ “ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፥ ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፤ ካብቲ ኣብ ማእኸል ኪሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፍሓም ድማ፥ በእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ በትኖ” ኢሉ ተዛረቦ፤ ንሱውን እናረአኽዎ ኣተወ።
ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።
ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብ መቕደስ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደመና ተቐሚጡ ዘሎ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ጊዜ ዓፂድ ቀሪቡ፥ ፍረ ምድሪ እውን በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድካ ስደድ፤ ዕፀድውን” በሎ።
ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ።
ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።
እግዚኣብሄር ከዓ ‘ኪድ ነቶም ሓጥኣን ኣማሌቃውያን ፈፂምካ ኣጥፍኣዮም፤ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ውግኣዮም’ ኢሉ ሰደደካ።
ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።