Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 15:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እታ መቕደስ ድማ፥ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ግርማን ሓይልን ዝተልዓለ፥ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ሸውዓቲአን መቕሰፍትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኸዓ፥ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 15:8
14 Referencias Cruzadas  

ድምፂ እግዚኣብሄር ንዋልያታት የጠንክሮም፤ ንዱርውን ይገልፆ፤ ኵሉውን ኣብ መቕደሱ ምስጋና ይብል።


እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፥ ኵሉ እምባ ሲና ይትኪ ነበረ። ካብኡ ኸዓ ኸም ትኪ እቶን ዝበለ ትኪ ዓረገ። ኵሉ እቲ እምባ የመና ተናወፀ።


ካብቲ ዓው ኢሎም ዘስምዕዎ ድምፂ ዝተልዓለ፥ መሰረት እቲ ልዳውቲ ተናወፀ፤ ነቲ ቤትውን ትኪ መልኦ።


ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።


ፀሎትና ከይሓልፍ፥ ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ኣነ ብደመና ኣብ ልዕሊ መኽደን መስተስረዪ ክረአ እየ እሞ፥ ከይመውትስ ንሓውካ ኣሮን ኣብ ውሽጢ መጋረጃ፥ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ፥ መኽደን መስተስረዪ፥ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸይኣቱ ንገሮ።


ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።


ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።


ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ።


ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos