1 ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ።
ንሱ የናግፍን የድሕንን፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከዓ፥ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር፤ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።”
እንተ ተፃሪርኩምኒ፥ ክትሰምዑኒ እውን እንተ ዘይፈቲኹም፥ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኸዓ፥ ብርቱዕ ድምፂ ኣስምዐ። ድምፂ ምስ ኣስምዐ ድማ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት፥ ድምፂ ኣስምዑ።
እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እንሆ እቲ፥ ሳልሳይ መከራ፥ ቀልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
ኻብቲ ዝኾነ እንተይተሓወሶ፥ ካብ ፅዋዕ ቝጥዓኡ ዝተቐድሐ፥ ናይ እግዚኣብሄር ወይኒ መዓት፥ ክሰቲ እዩ። ኵሎም እቶም ከምዙይ ዝገበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ብሓዊን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም።
እቲ መልኣኽ ከዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦሞ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ መፅመቝ ቝጥዓ ደርበዮ።
ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ዝመልኡ፥ ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ “ነታ መርዓት፥ ሰበይቲ እቲ በጊዕ፥ ከርእየካስ ነዓ” በለኒ።
ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ፥ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ረአኹ። ሸውዓተ መለኸትውን ተውሃቦም።
እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ፥ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ።
እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።