9 ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰዓቦም፦ “እቲ ነዝ ኣራዊት እዙይን ንምስሉን ዝሰገደ፥ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱ ማሕተሙ ዝተቐበለ፥
ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።
ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።”
ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።
“ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም።