6 ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።
እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥ ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤ ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?
ፅድቅኻ ናይ ዘለኣለም ፅድቂ እዩ፤ ቃልካውን ሓቂ እዩ።
በደልውን ኣባይ ዝርከብ እንተ ደኣ ኾይኑ ረአ፤ በቲ ናይ ዘለኣለም መንገድውን ምርሐኒ።
መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፤ ግዝኣትካውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እዩ።
ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”
ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”
ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ናብ ሰማያት ቈላሕ ኣብሉ፤ ናብ ታሕቲውን ናብ ምድሪ ጠምቱ፤ እንሆ፥ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፤ ምድሪ ድማ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኡ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ ፅድቀይውን ኣይፈርስን እዩ።”
ብልዒ፥ ከም ክዳን ኽበልዖም እዩ፤ ፍልሖውን፥ ከም ፀምሪ ኽበልዖም እዩ፤ ፅድቀይ ግና ንዘለኣለም፥ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።”
ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነንሕድሕዶም ከዓ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፤ ብኽልተ ኽንፎም ገፆም ይሽፍኑ ነበሩ፤ ብኽልተ ኽንፎም ድማ ኣእጋሮም ይሽፍኑ፤ ብኽልተ ኽንፎምውን ይበሩ ነበሩ።
እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።
ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።
እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ።
ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።
ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።
ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ።
እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥
እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥
ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተሰበኸልኩም ቃል ብስራት ከዓ እዙይ እዩ።
“ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ኣህዛብን፥ ዝተፈላለየ ቛንቋታት ንዝዛረቡ ህዝብን፥ ነገስታትን፥ ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ” በለኒ።
እንተ ኾነ፥ በተን እቲ ሻውዓይ መልኣኽ፥ ድምፂ መለኸት ዘስምዐለን መዓልቲታት፥ ከምቲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቢያት ዝበሎም፥ ሽዑ እቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ክፍፀም እዩ።”
ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።
ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።
ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤
ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።