5 ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።
እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ፥ ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
እምበኣር ኣንደበትካ ኻብ ክፉእ ሓሉ፤ ከናፍርካውን ጥበራ ኣይናገራ።
ተንኰልን ጥበራን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቑን።
ኵለን ቃላት ኣፈይ ሓቂ እየን፤ ቀይናናት ወይ ጥውይዋያት ኣይኮናን።
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።
ገበን ዘይፈፀመ፥ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበስ፥ ኣማውታኡ ምስ ክፉኣት፥ መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።”
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።
ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ።
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”
ሓቀኛ ሕጊ ኣብ ኣፉ ነበረ፤ ዝኾነ በደልውን ኣብ ከንፈሩ ኣይተረኽበን፤ ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ይኸይድ ነበረ፤ ንብዙሓትውን ካብ ሓጢኣት መለሰ።
ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?
ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ነቶም ህዝብን “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም።
ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።
ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
“ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።”
ከምቲ መፅሓፍ ዝብሎ፦ “እቲ ህይወት ዝፈቱ፥ ሰናያት መዓልቲታት ከዓ ኽርኢ ዝደሊ፥ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፥ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል።
ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥