4 እዚኣቶም፥ ምስ ኣንስትውን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ይኽተልዎ። ንሳቶም፥ ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዅራት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካብ ደቂ ኣዳም ዝተቤዘዎም እዮም።
ብድሕሪኣ ንንጉስ ደናግል ይወስዱሉ፤ ንብፆታውን ናባኻ የቕርቡ፤ ናብቲ ንጉስ የእትዉወን።
ኣቐዲምካ ንዝፈጠርካያ ማሕበርካ፥ ንዝተቤዘኻያ በትሪ ርስትኻ፥ ነታ ኣብኣ ዝሓደርካያ እምባ ፅዮን ዘክር።
ቅብእኻ ምዑዝ ሽቱ ኣለዎ፤ ስምካ ኸም ዝፈስስ ምዑዝ ሽቱ እዩ፤ ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።
ስሳ ንግስትታት፥ ሰማንያ ዕቁባት፥ ቍፅሪ ዘይብለን ኣዋልድውን ኣለዋ።
“እስራኤል፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነበረ፤ በዅሪ ቐውዐይውን ነበረ፤ ኵሎም እቶም ዝበልዕዎ ኸም በደልቲ ይቝፀሩ፤ ክፉእ ነገርውን ክረኽቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም!
ካብ ከርሲ እኖኣቶም፥ ስሉባት ኮይኖም ዝተወለዱ ኣለዉ፤ ሰባት ስሉባት ዝገበርዎምውን ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም፥ ንባዕላቶም ከም ስሉባት ዝገበሩውን ኣለዉ፤ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ” በሎም።
“በቲ ጊዜ እቱይ መንግስተ ሰማያት፥ መመብራህተን ሒዘን፥ መርዓዊ ኽቕበላ ዝወፃ ዓሰርተ ደናግል ትመስል።
ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር፥ ናብ ኵሉ እትኸዶ ክኽተለካ?” በሎ።
እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።
እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።
ጴጥሮስ ከዓ “ጐይታ፥ ስለ ምንታይ እየ፥ ሕዚ ክኽተለካ ዘይክእል? ህይወተይ እንተ ኾነውን፥ ቤዛኻ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ” በሎ።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
ኣሕዋተይ፥ ስድራ እስጢፋኖስ፥ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቐዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን፥ ንቅዱሳን ኸገልግሉ ንርእሶም ከም ዘወፈዩን ትፈልጡ ኢኹም።
ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
ግና እንተ ተመርዖኻ፥ ሓጢኣት ኣይገበርካን፤ ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፥ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና፥ ብናብራ፥ ፀገማት ይረኽቦም እዩ እሞ፥ ካብዙይ ክትድሕኑ ኢለ እየ።
ብቕንኢ እግዚኣብሄር፥ እቐንአልኩም እየ እሞ፥ ከም ሓንቲ ንፅሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ንሓደ ሰብኣይ፥ ንክርስቶስ ኣሕፅየኩም ኣለኹ።
ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን፥ እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዅሎም ክሳዕ ዘድሕኖም፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ፥ ዕርቡን እዩ።
ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፤ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፥ ብምስጋና ኽቕበልዎ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ብልዒውን፥ ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ።
ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።
ኣብታ ኸተማ፥ መቕደስ ኣይረአኹን፤ እቲ ንዅሉ ዝገዝእ ጐይታ ኣምላኽን፥ እቲ በጊዕን፥ መቕደሳ እዮም እሞ።
እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።
ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም።
ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤