3 ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዝ መዝሙር እዙይውን፥ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተቤዘዎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን።
ኦ ኣምላኽ፥ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ኽዝምረልካ እየ።
ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፤ ምስጋናኡውን ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን እዩ።
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፤ ብዕልልታውን ሰናይ መዝሙር ዘምሩ።
ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ናብ ኣፈይ ወሰኸ፤ ብዙሓት ክሪኡ፥ ክፈርሑውን እዮም፤ ብእግዚኣብሄርውን ክእመኑ እዮም።
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ ኵልኻትኩም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፥ የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ።
ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን፥ ኣብ ውሽጣ ዘለኹም ኵልኻትኩምን፥ ኣትን ደሴታትን ኣብኣተን እትነብሩን፥ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፥ ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
ናይ መስቀሉ ቓል፥ ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።
እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ።
ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥ ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ።
መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’
ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤
ቍፅሪ ናይቶም ማሕተም ዝተገብረሎም ክንደይ ከም ዝኾነ ድማ ሰማዕኹ። ካብ ኵሉ ነገድ እስራኤል፥ ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።