12 እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን፥ ንእምነት ኢየሱስን ዝሕልዉ ቕዱሳን ከዓ፥ ትዕግስቶም ኣብዙይ እዩ ዝረአ።
ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።
ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።
እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ተቘጥዐ፤ ምስቶም ዝተረፉ ዘርኣ ድማ፥ ክዋጋእ ኸደ፤ ንሳቶም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝሕልዉን፥ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ኣጥቢቖም ዝሓዙን እዮም።
‘እቲ ኽማረኽ ዘለዎ፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ፥ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።’ እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግስትን እምነትን ዝረአ ኸዓ፥ ኣብዙይ እዩ።”
ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።
ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።
ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ዓቕምኻ ድኹም እዩ፤ እንተ ኾነ ንቓለይ ሓለኻዮ፥ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን። ስለዙይ ሓደኳ ኽዓፅዎ ዘይኽእል፥ ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።