Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 13:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 13:8
25 Referencias Cruzadas  

ይስሓቅ ነቦኡ ኣብርሃም “ኣቦይ” ኢሉ ፀውዖ፤ ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ ወደይ” በሎ። ይስሓቅ ድማ “ሓዊን ዕንፀይትንስ እንሆ፤ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ።


ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።


ሕዚ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ እንተ ዘይኮነ ኻብቲ ዝፀሓፍካኒ መፅሓፍካ ደምስሰኒ” በለ።


እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።


“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።


ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።


ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።


ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።


ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና።


ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።


እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።


እቲ ገበል ድማ፥ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ፥ ውሕጅ ዝመስል ማይ ካብ ኣፉ ኣፍሰሰ።


ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ።


እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።


እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።


ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።


እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ፥ እዅሕዅሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ።


እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’


ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።


እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።


እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos