6 ንእግዚኣብሄር ክፀርፍ፥ ንስሙን ንማሕደሩን፥ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን፥ ክፀርፎም ኣፉ ኸፈተ።
ድሕሪዙይ ኢዮብ ኣፉ ኸፊቱ፥ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ረገማ።
ኣፎም ኣብ ሰማይ ኣንበሩ፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ምድሪ ተመላለሰ።
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?
ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖም ይሽፍጡ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም፥ ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።
ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ።
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።
ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ “ቅድስቲ” ተብሂላ እትፅዋዕ፥ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ፥ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ሕብስቲ ቝርባንን ነበራ።
ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።
ሓደ ዓብዪ ድምፂ ድማ፥ ካብ ሰማይ፥ “ናብዙይ ደይቡ” ኽብሎም እንተሎ ሰምዑ። እቶም ፀላእቶም እናረአይዎም ከዓ፥ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ።
ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”
ድሕሪዙይ ድማ ረአኹ፥ እንሆ እታ ድንኳን ምስክር ዝኾነት ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።
ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።
ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።
እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።
ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሄር እኒሀዉ፤ ኣብታ መቕደሱውን፥ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ፥ ድንኳኑ ተኺሉ ኸፅልለሎም እዩ።
ድሕሪዙይ ድማ፥ እንሆ፥ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ዝተኣከቡ፥ ሓደኳ ኽቘፅሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰባት፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ደው ኢሎም እንተለዉ ረአኹ።