5 ዓበይቲ ነገራትን፥ ዝፀርፍ ቃላትን፥ ዝዛረብ ኣፍ ተውሃቦ። ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ፥ ግብሩ ኽገብርውን ስልጣን ተውሃቦ።
እግዚኣብሄር፥ “ነቶም ጠበርቲ ኸናፍርን፥ ነታ ዓብዪ ነገር እትናገር መልሓስን ክነቕለን እዩ፤ ከናፍርናውን ናትና እዩ፤ ጐይታናኸ መን እዩ?” እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ።
ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።”
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
እተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ኽሳዕ ዝሓልፋ፥ ዕጉስ ኮይኑ ዝፀንሕ ሰብ ምስጉን እዩ።
ሽዑ ኣነ፥ እቲ ንእሽተይ ቀርኒ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ድምፂ ዓብዪ ቓል ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተልን፥ ስጋኡ ኣብ ሓዊ ኽሳዕ ዝድርበን ጠመትኩ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ኣቕርንቲ ዝወደቑ፥ ደሓር ዝወፀ ንእሽተይ ቀርኒን፥ እቲ ኣዒንቲ ዝነበራኦ፥ ብትዕቢት ዝዛረበሉ ኣፍ ዝነበሮ፥ ትርኢቱ ድማ ኻብቶም ካልኦት የመና ዘፍርሕ ዝነበረ ቐርኒ፥ ክፈልጥ ደለኹ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን፥ ምሸትን ጊሓትን እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ቤተ መቕደስ መሊሱ ኽነፅህ እዩ” በለኒ።
ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም።
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።
ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ።
ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።
ነታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ካብ ገፅ እቲ ገበል ርሒቓ፥ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፥ ኣብኡ ንኽትሕሎ፥ ክንክን ናብ እትረኽበሉ ስፍራ ምእንቲ ኽትነፍር፥ ከም ናይ ዓብዪ ንስሪ፥ ክልተ ኣኽናፍ ተውሃባ።
እታ ሰበይቲ ድማ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ፥ ክንክን ናብ ዝግበረላ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዘዳለወላ ቦታ፥ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት።
ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።