12 ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ።
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።
እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።
እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።”
ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰዓቦም፦ “እቲ ነዝ ኣራዊት እዙይን ንምስሉን ዝሰገደ፥ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱ ማሕተሙ ዝተቐበለ፥
ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።
እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።
ዙፋናትውን ረአኹ፤ ነቶም ኣብ ዙፋናት ዝተቐመጡ ኸዓ፥ ክፈርዱ ስልጣን ተውሃቦም። እዚኣቶም፥ እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ብምብሳሮምን፥ ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፥ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም፥ ማሕተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም፥ ህያዋን ኮይኖም፥ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።