1 ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።
ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
ከምቲ ኣእጋሩን ኣፃብዕቱን፥ ፍርቁ ሓፂን ፍርቁ ሻኽላ ኾይኑ ዝረአኻዮ፥ ከምኡ ዝተኸፋፈለ መንግስቲ ክኸውን እዩ፤ ግና ኸምቲ ሓፂንን ሻኽላን ተሓዋዊሱ ዝረአኻዮ፥ ክፋሉ ሓይሊ ሓፂን ክህልዎ እዩ።
ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።
ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።
ካልእ ኣራዊትውን፥ ካብ ምድሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ከም ናይ በጊዕ ዝመስል፥ ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ። ከም ገበልውን ይዛረብ ነበረ።
ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ “ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ፥ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምስሊ ግበሩሉ” እናበለ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ክገብሮ ዝተውሃቦ ምልክታት፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ የስሕቶም ነበረ።
ምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምእንቲ ኽዛረብን፥ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዅላቶም፥ ምእንቲ ኸቕትሎምን ከዓ፥ እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ እስትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ።
ድሕሪዙይ ብርለ ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱውን ምስ ሓዊ ዝተሓዋወሰ እዩ። እቶም፥ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን፥ ነቲ መፀውዒኡ ዝኾነ ቝፅርን ዝሰዓሩ፥ ናይ እግዚኣብሄር በገናታት ሒዞም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት፥ ደው ኢሎም ረአኹ።
ብድሕሪዙይ፥ ጭንቍራዕ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ፥ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን፥ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፥ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ ነቢይን፥ ክወፁ እንተለዉ ረአኹ።
እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ እቲ ኣራዊትን፥ ነታ ኣመንዝራ ኽፀልእዋ እዮም፤ ከባድምዋ፥ ጥራሓ ኸውፅእዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም።
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ። ኣብ ልዕሊ ቐይሕ ኣራዊት ዝተቐመጠት ሰበይቲ ኸዓ ረአኹ። እቲ ኣራዊት፥ ስማት ፀርፊ ኣብ ሰብነቱ መሊእዎ ነበረ። ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንትን ድማ ነበሮ።
ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ።
እቲ ኣራዊትን፥ እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከዓ፥ ምስቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠን፥ ምስቶም ሰራዊቱን፥ ክዋግኡ ተኣኪቦም ረአኹ።