7 ኣብ ሰማይ ከዓ ውግእ ኾነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን፥ ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።
መቕሰፍቲ መዓቱ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰደደ፤ መቕሰፍትን መዓትን፥ መከራንውን ብኽፉኣት መላእኽቲ ሰደደ።
ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።
እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
እቲ ሓለቓ መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸዓ ሓደ ኻብቶም ዋናታት ኣሕሉቕ፥ ሚካኤል ክሕግዘኒ መፀ። ኣነውን ምስቶም ነገስታት ፋርስ ኣብኡ ሓደግክዎ።
ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።”
“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።
ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም።
ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ፥ ምስ መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ፤ ሽዑ ንዅሉ ኸከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
ንሱ ንመላእኽቱ፥ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ፥ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።”
“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤
ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ፥ ንሱ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ሰራዊት ዝበዝሑ መላእኽቲ ብቕፅበት ክሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ?
ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።
ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ።
እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም፥ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ፥ ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ተገብኦ።
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።
ሊቀ መላእክት ሚካኤል እኳ፥ ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራኸር እንተሎ፥ “እግዚኣብሄር ይገስፅካ” ደኣ በሎ እምበር፥ ብፀርፊ ክዅንኖ ኣይደፈረን።
እንተ ኾነ፥ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተስዓሩ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኣቶምውን ሰኣኑ።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።
እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።