12 ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”
ነዙይ ዝገበሮ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፤ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተቤዚውዎ፤ ክብሩ ኸዓ ኣብ እስራኤል ገሊፁ እዩ እሞ፥ ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፥ ብታሕጓስ ዘምሩ፤ ኣቱም እምባታት፥ ኣቱም ኣብ ዱር ዘለኹም ኵልኻትኩም ኣእዋም፥ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።
ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”
“ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።
“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ፤
ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።
በቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ዝኾነ፥ ንሰማይን ኣብ ውሽጡ ዘሎን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ንባሕርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ብዝፈጠረ እግዚኣብሄር መሓለ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ፤
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም፥ ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ፥ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ብሞት እዞም ክልተ ነቢያት ኽሕጐሱ፥ ባህውን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ፥ ውህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም።
እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እንሆ እቲ፥ ሳልሳይ መከራ፥ ቀልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
ንእግዚኣብሄር ክፀርፍ፥ ንስሙን ንማሕደሩን፥ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን፥ ክፀርፎም ኣፉ ኸፈተ።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።
እቲ ቐዳማይ መከራ ሓሊፉ፤ ድሕሪዙይ ከዓ እንሆ ገና ኽልተ መከራ ይመፅእ ኣሎ።