Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 12:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ኣብ ሰማይ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “ሕዚ ምድሓንን ሓይልን መንግስትን፥ ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ንመሲሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 12:10
24 Referencias Cruzadas  

ኦ ጐይታይ! ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ናትካ እዩ፤ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማንውን ናትካ እዩ። ኦ ጐይታይ! እታ መንግስቲ ድማ ናትካ እያ፤ ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ።


እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ጥሪቱ ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።


ሰይጣን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኢዮብ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኸካ ብኸምኡ ኣይኮነን።


እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ኣዕፅምቱን ስጋኡን ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።


መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንሱውን ንኣህዛብ ክገዝእ እዩ።


ኦ ኣምላኽ ዙፋንካ ንዘለኣለም እዩ፤ በትሪ መንግስትኻ በትሪ ቕንዕና እዩ።


ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።


ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ ድሕሪ ሕዚ ግና፥ ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ክትሪእዎ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ” በሎ።


ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤


ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤


ንሱ ኸዓ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።


ኢየሱስ “ስምኦን! ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ።


ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።


ነተን ኣረጋውያትውን፥ ከምኡ ብቕድስና ዝነብራ፥ ዘይሓምያ፥ ዘይሰኽራ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንንኡሳት ኣንስቲ ዝምህራ ክኾና መዓደን።


እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።


እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።


ነቲ ዝስዕርን፥ ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን፥ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ፥ ስልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ፥ ክሰባብሮም እዩ።


ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ፥ “ምድሓን፥ ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን፥ ናይቲ በጊዕን እዩ” እናበሉ፥ ድምፂ ኣስምዑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos