Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 11:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ዝተኣከቡ ሰባት፥ ነቲ ሬሳኣቶም፥ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክሪእዎ እዮም። ሬሳኣቶም ከይቕበርውን፥ ክኽልክሉ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 11:9
14 Referencias Cruzadas  

ኣብታ እንጀራ ኣይትብልዐላ ማይ ከዓ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጀራ ስለ ዝበላዕኻ፥ ማይውን ስለ ዝሰተኻ፥ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ’ ” በሎ።


ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ።


ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።


ሬሳታት እዝ ህዝቢ እዙይ ብልዒ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት በረኻን ክኸውን እዩ። ዘባርሮምውን ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።


“ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ኣህዛብን፥ ዝተፈላለየ ቛንቋታት ንዝዛረቡ ህዝብን፥ ነገስታትን፥ ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ” በለኒ።


ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ።


ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።


“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።


ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።


ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos