8 ንሬሳኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዝተሰቕለላ ዓባይ ከተማ፥ ከንብሮ እዩ። ንሳ ብመንፈሳዊ ምሳሌ፥ ሰዶም ወይ ግብፂ እትብሃል እያ።
ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ኽፉኣትን ሓጢኣተኛታትን ነበሩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ።
ሕፍረት ገፆም ይምስክረሎም ኣሎ፤ ንሓጢኣቶም ከም ሰዶም የውርይዎ፤ ኣይሓብእዎንውን፤ ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምፅኡ ኣለዉ እሞ፥ ንነፍሶም ወይለኦም!
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ነቢያትውን፥ ዘስካሕክሕ ነገር እንትገብሩ ረአኹ፤ ይምንዝሩ፤ ብሓሰት ይመላለሱ፤ ሓደ እኳ ኻብ ክፍኣቱ ኸይምለስ፥ ንኢድ ክፉኣት የበራትዑ። ኵላቶም ከዓ ኸም ሰዶም፥ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከም ገሞራ ኾኑኒ።
ንሳቶም ድማ ንኦርዮ ኻብ ግብፂ ኣምፅእዎ፤ ናብ ንጉስ ኢዮኣቄም ከዓ ኣቕረብዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ቐተሎ፤ ሬሳኡውን ኣብቲ ዝኾነ ሰብ ዝቕበረሉ ደርበዮ።
“እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ፀጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓፍትኺ ሰማርያ እያ፤ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽተይ ሓፍትኺ ኸዓ ሰዶም እያ።
እንሆ እቲ ሓጢኣት ሰዶም ሓፍትኺ እዙይ ነበረ፤ ትዕቢትን ፅጋብ እንጀራን ምዝላልን ስራሕ ምፍታሕን ትህኺትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልድ ደቃን ነበረ፤ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን።
ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘመንዘረቶ ዘኪራ፥ ምንዝርናኣ ኣብዝሐት።
ኣዒንትኺ ናብኣቶም ቈላሕ ከይተብሊን ድሕሪዙይ ከዓ ግብፂ ኸይትዝክሪን፥ ነቲ ኻብ ግብፂ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።”
እዚኣተን ኣብ ግብፂ ኣመንዘራ። ገና ኣጓላት እንተለዋ ኣመንዘራ ኣጥባተን ዘቐቐ፤ ኣጥባት ድንግልናአን ኣብኡ ተዳህሰሰ።
ምስ ናይ እዙይ ከዓ ነቲ ምስቶም ብጓላ እንተላ ምስኣ ዝደቀሱን፥ ኣጥባት ድንግልናኣ ዳህሲሶም ዝሙቶም ዘፍሰሱላ ግብፃውያን፥ ምዝማዋ ኣይሓደገትን።
ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።
እግዚኣብሄር “ከምቲ ንሰዶምን ንገሞራን ኣቐዲመ ዝገልበጥኩወን፥ ገልበጥኩኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኻብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግ ኮንኩም፤ ግና ንስኻትኩም ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንምድሪ ሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።
ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ።
ዝኣመንዎ እንተ ኽሒዶም፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ብፍቓዶም መሊሶም ስለ ዝሰቕልዎን፥ ብገሃድ ስለ ዘላግፁሉን፥ ብንስሃ ኽምለሱ ኣይከኣልን እዩ።
ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፥ መርኣያ መቕፃዕቲ ምእንቲ ክኾና፥ ንሰዶምን ገሞራን ሓመዅሽቲ ኽሳዕ ዝኾና፥ ክቃፀላ ፈረደን።
ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራን፥ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ዘይኮነ ግብረ ስጋውን ፈፀማ። በቲ ዝወረደን ቅፅዓት ከዓ፥ ብዘለኣለማዊ ሓዊ ንዝቕፅዑ፥ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ።
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ዝተኣከቡ ሰባት፥ ነቲ ሬሳኣቶም፥ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክሪእዎ እዮም። ሬሳኣቶም ከይቕበርውን፥ ክኽልክሉ እዮም።
እቲ ወይኒ ድማ፥ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መፅመቝ ተረገፀ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ፥ ካብቲ መፅመቝ ወፂኡ፥ ክሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር ድማ ወሓዘ።
ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።
እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
እታ ዝረአኻያ ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ እትነግስ፥ ዓባይ ከተማ እያ” በለኒ።
ኣብ ግምባራ ድማ “እታ ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን፥ እኖ ርኽሰት ምድርን” ዝብል፥ ብምስጢር ዝፍለጥ ስም፥ ተፅሒፉ ነበረ።
ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
ንሳ ኽትነድድ እንተላ፥ ነቲ ዝወፅእ ዝነበረ ትኪ ምስ ረአዩ ኸዓ፥ ‘ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስል ከተማ፥ ከቶ ኣይነበረትን’ እናበሉ ኣእወዩ።
ንሱ ኸዓ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መሕደሪ ኣጋንንትን፥ ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፥ ሰፈር ኵሉ ርኹስን፥ ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤
ብድሕሪዙይ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ፥ ከምዙይ እናበለ፥ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ፥ ከምዙይ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ! ደጊም ከዓ፥ ከቶ ኣይትርከብን እያ።
ደም ነቢያትን ቅዱሳንን፥ ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝተሓርዱ ዅሎም፥ ኣብኣ ተረኺቡ እዩ እሞ።