5 ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።
ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ።
ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት “እዝ ቓል እዙይ ስለ ዝተዛረቡ፥ እንሆ፥ ንቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ኽገብሮ እየ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ኸም ዕንፀይቲ ኽገብሮ እየ እሞ፥ እቲ ሓዊ ኽበልዖም እዩ” ይብል ኣሎ።
እቲ ኣነ ዝረአኽዎ ራእይ ድማ፥ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መፃእኹ ዝረአኽዎ ራእይ እዩ፤ እዝ ራእያት እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ሩባ ኮቦር ዝረአኽዎ ራእይ ነበረ፤ ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድሕሪ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመትኹም ኣህዛብ ልኢኹኒ እዩ፤ ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።”
እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ፥ ሓዊ ኽሳዕ ዘውርድ፥ ዓበይቲ ምልክታት ገበረ።
ብራእይ ድማ፥ ነቶም ኣፍራስን፥ ነቶም ተቐሚጦምዎም ዝነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ፥ ከም ሓዊ ቐይሕ፥ ከም ያክንት ሰማያዊ፥ ከም ዲን ድማ፥ ብጫ ዝመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ፥ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምውን፥ ሓዊን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ።