2 እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕፅሪ ግና፥ ንኣህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣህዛብ ከዓ፥ ነታ ቕድስቲ ኸተማ፥ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግፅዋ እዮም።
ኦ ኣምላኽ፥ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣተዉ፤ ንቕድስቲ መቕደስካውን ኣርከስዋ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።
ብስም ተቐማጦ እታ ቕድስቲ ኸተማ ዝተፀዋዕኹም፥ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት ብዝብሃል ኣምላኽ እስራኤል እትድገፉ፥ ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ።
“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።
ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።
ዮድ። ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሃብታ ኢዱ ዘርግሐ፤ ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትዉ ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም።
እዙይ ምስ ኣእኸልካ ኸዓ፥ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፤ ነርብዓ መዓልቲ እውን ሓጢኣት ቤት ይሁዳ ኽትፀውር ኢኻ፤ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣለኹ።
ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ፥ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፤ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ እመት ኮነ፤ እዙይ ነቲ ቕዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዝፈሊ ነበረ።
እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸድነን፥ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ሩባውን ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ፥ ንየማነይትን ፀጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዓለ እሞ “ንዘመንን ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን እዩ። ነቲ ሓይሊ ምብታን እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክፍፀም እዩ” ኢሉ ብስም እቲ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ኣምላኽ፥ ክምሕል እንተሎ ሰማዕኽዎ።
ድሕሪዙይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣስናኑ ሓፂን፥ ኣፅፋሩ ኸዓ ነሃስ ዝኾነ፥ ዝውሕጥን ዝሰባብርን፥ ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋግፅ ዝነበረን፥ ካብ ካልኦት ኣራዊት ዝተፈልየን፥ እምብዛ ዘፍርሕን ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።
ሽዑ ኻብ ቅዱሳን ሓደ ኽዛረብ እንተሎ ሰማዕኹ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ፥ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ “ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ መስዋእትን፥ ብሰንኪ ዓመፅ ዝኸውን እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋፅ ምእንቲ ኽወሃብ፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ዕንወት፥ ብራእይ ዝተርኣየ ነገራት ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝኸውን?” ኢሉ ጠየቖ።
ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን፥ ምሸትን ጊሓትን እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ቤተ መቕደስ መሊሱ ኽነፅህ እዩ” በለኒ።
ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም።
ከካብ መቓብሮም ወፂኦም፥ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፤ ንብዙሓትውን ተርኣይዎም።
ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፥ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ።
“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ፥ ብእግሪ ሰብ ክርገፅ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን።
ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።
ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!
ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ።
ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።
እታ ሰበይቲ ድማ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ፥ ክንክን ናብ ዝግበረላ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዘዳለወላ ቦታ፥ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት።
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ዓቢይን ነዊሕን እምባ ወሰደኒ፤ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ኸዓ ኣርኣየኒ።
እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።