16 እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙፋናቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ከዓ፥ ከምዙይ እናበሉ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱ፦
ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦
ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።
እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
እቶም መላእኽቲ ዅላቶም፥ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቆሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ብግምባሮም ተደፊኦም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።