12 ሓደ ዓብዪ ድምፂ ድማ፥ ካብ ሰማይ፥ “ናብዙይ ደይቡ” ኽብሎም እንተሎ ሰምዑ። እቶም ፀላእቶም እናረአይዎም ከዓ፥ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ።
እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብንፋስ ኣውሎ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፤ ሽዑ ኤልያስ ምስ ኤልሳዕ ካብ ጌልገላ ተልዓለ።
እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።
እቶም ኣብ ኢያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ቀሪቦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኢኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ከዓ “እወ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።
ሓምሳ ኻብ ደቂ ነቢያት ከዓ ከዱ፤ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ድማ ኣብ መንፅሮም ደው በሉ። ኤልያስን ኤልሳዕን ከዓ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ደው በሉ።
ሓጥእ ነዙይ ሪኡ ይቝጣዕ፤ ኣስናኑ ይሕርቕም፤ ይመክኽውን፤ ትምኒት ሓጥኣንውን ትጠፍእ።
ኦ ጐይታ፥ ኣብ ድንኳንካ ዝሓድር መን እዩ? ኣብቲ ቅዱስ እምባኻ ዝነብርከ መን እዩ?
ናብ እምባ እግዚኣብሄር ዝድይብ መን እዩ? ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ ዝቐውምከ መን እዩ?
ትእምርቲ ሰናይውን ምሳይ ግበር፤ ፀላእተይ ይርኣዩ፤ ይሕፈሩውን፤ ረዲእኻንን ኣፀናኒዕኻንን ኢኻሞ።
መንኰራዅር ሰረገላታቶም ድማ ኣምለቘ፤ ብጭንቂ እውን ተጕዓዙ። ግብፃውያን ድማ “እግዚኣብሄር ክንዲ ደቂ እስራኤል ኮይኑ ይዋግአና ኣሎሞ ኻብኣቶም ንህደም” በሉ።
ብልብኻውን፥ ‘ናብ ሰማይ ክዓርግ፥ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ከብሎ እየ፤ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ እምባ መአከቢ ኽቕመጥ እየ።
እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
ርግቢታት ናብ ሰፈረን ከም ዝበራ፥ እዞም ከም ደመና ዝበሩ እዚኣቶም እንመን እዮም?
ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።
ኣብ ሲኦል፥ ኣብ ስቓይ ኮይኑ፥ ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ፥ ካብ ርሑቕ ንኣብርሃም ረአዮ፤ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ።
እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።
ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
ንሳ፥ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ፥ ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ዙፋኑን፥ ብቕፅበት ተወሰደ።
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’
ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።