8 እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ደጊሙ ኸዓ፥ “ኪድ እሞ፥ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ፥ ቅልዕቲ መፅሓፍ ውሰዳ” እንትብል ሰማዕኹ።
ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን።
ጠመትኩ እሞ፥ እንሆ፥ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ ነበረት፤ እንሆ፥ ኣብኣ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ነበረት።
ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መፅሓፍ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፥ ፀጋመይቲ እግሩ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ረገፀ።