7 እንተ ኾነ፥ በተን እቲ ሻውዓይ መልኣኽ፥ ድምፂ መለኸት ዘስምዐለን መዓልቲታት፥ ከምቲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቢያት ዝበሎም፥ ሽዑ እቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ክፍፀም እዩ።”
ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።
ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥ ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ።
ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
ነቲ፥ ብመሰረት እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ሕዚ ግና ዝተገልፀ ምስጢር፥ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፥ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ፥ ኣብ እምነትኩም ከፅንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ይኹኖ።
ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።
እግዚኣብሄር፥ ሓሳቡ ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ሓደ ሓሳብ ኮይኖም፥ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎ፥ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ እሞ።