6 በቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ዝኾነ፥ ንሰማይን ኣብ ውሽጡ ዘሎን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ንባሕርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ብዝፈጠረ እግዚኣብሄር መሓለ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ፤
ኣብራም ድማ ንንጉስ ሰዶም “ናብ ስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር ኢደይ ኣልዒለ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን።
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
በሎምውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፥ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ዝመሓልኩሎም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ ዝተገለፅኩሎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ ኢለውን ዝመሓልኩሎም፥
እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸድነን፥ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ሩባውን ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ፥ ንየማነይትን ፀጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዓለ እሞ “ንዘመንን ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን እዩ። ነቲ ሓይሊ ምብታን እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክፍፀም እዩ” ኢሉ ብስም እቲ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ኣምላኽ፥ ክምሕል እንተሎ ሰማዕኽዎ።
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ ‘ናብኣ ኸእትወኩም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩልኩም ምድሪ፥ እንትርፊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።
ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።
ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦
“ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ንስኻ፥ ክብርን ምስጋናን ስልጣንን ክትቅበል ይግበአካ እዩ። ንዅሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ።
እቶም እንስሳ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ንዝነብር፥ ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ፥
ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቍፅሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም፥ ብፆቶም ኣገልገልትን ኣሕዋቶምን፥ ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ፥ ገና ንቑሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።