5 እቲ ኣብ ባሕርን፥ ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዝረአኽዎ መልኣኽ ድማ፥ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ እሞ፥
ኣብራም ድማ ንንጉስ ሰዶም “ናብ ስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሄር ኢደይ ኣልዒለ ኣለኹ።
ኦ ጐይታ፥ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር፤ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቶምን፤ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ነዝ ኵሉ ብህይወት እተንብሮ ኸዓ ንስኻ ኢኻ፤ ሰራዊት ሰማይውን ይሰግዱልካ።
ረዳኢኡ ኣምላኽ ያእቆብ ዝኾነ፥ ተስፋኡውን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ሰብ ብሩኽ እዩ።
እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን።
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
ሕግጋተይ ኣበዩ፤ ንሰናብተይ ኣርከሱ፤ ኣዒንቶም ንጣዖታት ኣቦታቶም ሰዓባ እምበር ስርዓተይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፥ ኣነ ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ናብ ሃገራት ክብትኖም እየ፥ ኢለ ኣብቲ ምድረ በዳ መሓልኩ።
ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።
ንስኻትኩምውን ናብ ምድሪ እስራኤል፥ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ፥ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኹኹም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
በሎምውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፥ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ዝመሓልኩሎም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ ዝተገለፅኩሎም፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ’ ኢለውን ዝመሓልኩሎም፥
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፥ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ኣህዛብ፥ ንሳቶም ነውሮም ክስከሙ እዮም።
እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ፥ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፥ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።
እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸድነን፥ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ሩባውን ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ፥ ንየማነይትን ፀጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዓለ እሞ “ንዘመንን ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን እዩ። ነቲ ሓይሊ ምብታን እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክፍፀም እዩ” ኢሉ ብስም እቲ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ኣምላኽ፥ ክምሕል እንተሎ ሰማዕኽዎ።
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ፥ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ዝተፅሓፎ መሰውኢ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ፥ ንእኡ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።
ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፥ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፥ ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፥ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣፀቢቑ ተግሃደ።
ኢደይ ንሰማይ ኣልዕል እሞ፥ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ።
እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ተስፋ ኽህቦ እንተሎ፥ ካብ ስሙ ዝዓቢ ዝምሕለሉ ኻልእ ስለ ዘየለ፥ “ብሓቂ ኽባርኸካን ከብዝሐካን እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።
ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መፅሓፍ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፥ ፀጋመይቲ እግሩ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ረገፀ።
ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።
“ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ንስኻ፥ ክብርን ምስጋናን ስልጣንን ክትቅበል ይግበአካ እዩ። ንዅሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ።
እቶም እንስሳ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ንዝነብር፥ ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ፥