4 እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምስ ኣስምዑ፥ ክፅሕፍ ደለኹ። እንተ ኾነ ኻብ ሰማይ፥ “ነቲ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ዝተዛረብዎስ፥ ሕተሞ ደኣ እምበር፥ ኣይትፅሓፎ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።
ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መፅሓፍ ኮይንኩም ኣሎ፤ ንሓደ ንባብ ዝፈልጥ “በይዛኻ እስኪ እዙይ ኣንብበልና” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱ “ሕቱም ስለ ዝኾነ፥ ከንብቦ ኣይክእልን” ይብሎም።
እግዚኣብሄር ድማ “ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ፥ ኣብኡውን ‘ምርኮ ቐልጠፈ፤ ዘመተ ፈጠነ’ ኢልካ ብፊደል ሰብ ፀሓፍ።
ኣብ ማእኸል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፤ ሕግውን ሕተም።
“ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”
ንሱውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዕፅውን ሕቱምን እዩሞ ኺድ።
እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።”
“ኵሉ እቲ ስዉር ነገር ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፥ እቲ ግሉፅ ግና፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ምእንቲ ኽንፍፅም፥ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።
“ነዝ እትሪኦ ዘለኻ፥ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፍካ፥ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ዘለዋ፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ስደዶ” ድማ በለኒ።
እምበኣርከስ ነቲ ዝረአኻዮን፥ ነዝ ዘሎን፥ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎን ፀሓፍ።
እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ደጊሙ ኸዓ፥ “ኪድ እሞ፥ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ፥ ቅልዕቲ መፅሓፍ ውሰዳ” እንትብል ሰማዕኹ።
ንኣይውን “እቲ ጊዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ንቓል ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ፥ ምስጢር ጌርካ ብማሕተም ኣይትዕፀዎ።