3 ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኸዓ፥ ብርቱዕ ድምፂ ኣስምዐ። ድምፂ ምስ ኣስምዐ ድማ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት፥ ድምፂ ኣስምዑ።
ድምፂ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፤ ኣምላኽ ክብሪ ኣንጐድጐደ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ።
እግዚኣብሄር ከም ሓያል ይወፅእ፤ ከም ተዋጋኢ ድማ ብቕንኣት ይለዓል፤ ይፍክርን ይዝምርን፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኸዓ ይብርትዕ።
ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን።
“ኵሉ እዝ ቓል ትንቢት ተናገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኸንጐድጕድ፥ ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኸዓ ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጓሰኡ ብሓይሊ ኸንጐድጕድ፥ ነቶም ኵላቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ዓው ኢሉ ድምፁ ኸስምዖም እዩ።
ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከዓ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ እንተሎ ኾይኑ፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዓፀድ ተሰምዐ።
ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”
ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?
ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።
ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ።
ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ዝተመልአ፥ ሸውዓተ ፅዋዕ ወርቂ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሃቦም።
ካብቲ ዙፋን ከዓ፥ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንውን፥ ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህትታት ይበርሁ ነበሩ። ንሳቶም ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።
እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።