2 ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መፅሓፍ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፥ ፀጋመይቲ እግሩ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ረገፀ።
ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥ ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ።
ቤተ መቕደስካ ቅዱስ እዩ፤ ብፅድቅውን ዘደንቕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ወሰን ምድርን ኣብ ውሽጢ ርሑቕ ባሕርን፥ ንዘለዉ ዅሎም ተስፋኦም ዝኾንካ፥ ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና።
ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ።
ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤
እቲ ኣብ ባሕርን፥ ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዝረአኽዎ መልኣኽ ድማ፥ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ እሞ፥
እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።
ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” በለኒ።