1 ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።
ንኣዳራሹ ብማያት ዝሓንፅ፥ ሰረገላኡ ኸዓ ደመና ዝገብር፥ ብኽንፊ ንፋስ ዝኸይድ፥
ደመናን ጣቓን ኣብ ዙርያኡ እዮም፤ ፅድቅን ፍትሕን ናይ ዙፋኑ መሰረት እዮም።
ኣሮን ከዓ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ምስ ተዛረበ፥ ንሳቶም ገፆም ናብ ምድረ በዳ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ደመና ተርኣየ።
ኣእጋሩ ኣብ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰረታ፥ ከም ኣዕማድ እምነ በረድ ይመስላ፤ መልክዑ ኸም ሊባኖስ፥ ከም ኣእዋም ዝግባ ዝተመረፀ እዩ።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
“እዙይ ንኣይ ከምቲ ማይ መሊሱ፥ ንምድሪ ኸየጥለቕልቓ ንኖህ ዝመሓልኩሉ፥ ሕዚ እውን ንኣኺ መሊሰ ኸይቍጥዐኪ፥ ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ።
ፀሎትና ከይሓልፍ፥ ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ።
ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ።
ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።
ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል፥ ብደመና ሰማይ ይመፅእ ነበረ። ናብቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በፅሐ፤ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ኣነ ብደመና ኣብ ልዕሊ መኽደን መስተስረዪ ክረአ እየ እሞ፥ ከይመውትስ ንሓውካ ኣሮን ኣብ ውሽጢ መጋረጃ፥ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ፥ መኽደን መስተስረዪ፥ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸይኣቱ ንገሮ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።
ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ቐትሪ ኣብ መንገዲ እንተለኹ፥ ካብ ፀሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን፥ ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን፥ ከንፀባርቕ እንተሎ ረአኹ።
እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።
ድሕሪዙይ፥ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነፀብራቕውን፥ ምድሪ በርሀት።
ብድሕሪዙይ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ፥ ከምዙይ እናበለ፥ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ፥ ከምዙይ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ! ደጊም ከዓ፥ ከቶ ኣይትርከብን እያ።
ሽዑ ሓደ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ንሱ መኽፈቲ ናይቲ ዓሚቝ ጕድጓድን፥ ገዚፍ መቑሕን፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ።
እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ኸዓ፥ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን፥ ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ፥ መረግድ ዝመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ።
ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ “ነዝ መፅሓፍ እዙይ ክቐልዖ፥ ንማሕተሙውን ክፈትሖ ዝበቅዕ መን ኣሎ?” እናበለ ዓው ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ረአኹ።
ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።