Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 1:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 እቲ እዙይ ዝፍፀመሉ ዘመን ቀረባ ስለ ዝኾነ ድማ፥ እቲ ነዝ ቓል ትንቢት እዙይ ዘንብብ፥ ብፁእ እዩ፤ እቶም ዝሰምዕዎን፥ ነቲ ኣብኡ ተፅሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን፥ ብፁኣን እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 1:3
15 Referencias Cruzadas  

እቲ ኣብ ልዳት ደገታተይ በብመዓልቱ፥ ኣብ በርታተይ እናተፀበየ፥ ንኣይ ዝሰምዕ ሰብ ብፁእ እዩ፤


ኤርሚያስ ድማ ንሰራያ “ኣብ ባቢሎን ምስ ኣተኻ፥ ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ ኣንብበሎም።


“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል።


ንሱ ግና፥ “ብፁኣንስ፥ እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ።


ነቲ ዘመን ፍለጥዎ፤ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድሓንና፥ ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ፥ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ።


ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ካባና ደርቢና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።


ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።


ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።


ንኣይውን “እቲ ጊዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ንቓል ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ፥ ምስጢር ጌርካ ብማሕተም ኣይትዕፀዎ።


[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ንነፍሲ ወከፍውን፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ፥ ዓስበይ ምሳይ ኣሎ።


እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዝምስክር፥ “እወ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ” ይብል ኣሎ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።


ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos