16 ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሩ፤ ካብ ኣፉውን፥ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገፁውን፥ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ።
ናይ ጊሓት ከዋኽብቲ ሓቢሮም እንትዝምሩ፥ ኵሎም ደቂ እግዚኣብሄር ዕልል እንትብሉ፤ መሰረታት ኣብ ምንታይ ተተኺሎም ነበሩ? ናይ መኣዝና እምኒኸ ዘቖመ መን እዩ?
ኣታ ሓያል ብክብርኻን ብግርማኻን፥ ሰይፍኻ ኣብ ሕቘኻ ዕጠቕ።
እዛ ኸም ወጋሕታ ብርሃን ቅልቅል እትብል፥ ከም ወርሒ ፅብቕቲ፥ ከም ፀሓይ ብርህቲ፥ ሰንደቕ ዕላማ ሒዙ ኸም ዝተሰለፈ ሰራዊት፥ ግርማኣ ዘፍርሕ እዚኣ መን እያ?
ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ክነግስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፥ ሽዑ ወርሒ ኽትሽቝረር፥ ፀሓይውን ክትሓፍር እያ።
ንኣፈይ ከም ዝተስሓለ ሰይፊ ገበሮ፤ ኣብ ፅላል ኢዱ ኸዓ ሓብአኒ፤ ከም ዝተስሓለ ፍላፃ ገበረኒ፤ ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤
እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም።
ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።
ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ቐትሪ ኣብ መንገዲ እንተለኹ፥ ካብ ፀሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን፥ ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን፥ ከንፀባርቕ እንተሎ ረአኹ።
ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረአኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ናይተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልን ምስጢር፥ እዙይ እዩ፤ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፥ ናይተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት መላእኽቲ እዮም፤ እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልውን፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት እየን” በለኒ።
ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።
ዓብዪ ምልክት ድማ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርሒ እውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዘለዋ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ዘለዎ ኣክሊል ድማ፥ ኣብ ርእሳ ዝደፍአት፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተርኣየት።
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተብሂልካ ኢኻ እትፅዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ።
ሽዑ ናዖድ ክልተ ዝኣፋ፥ እመት ዝምንዋሓ ሰይፊ ኣዳለወ፤ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሰለፉ ገበሮ።
ኦ እግዚኣብሄር! ኵሎም ፀላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፤ እቶም ዝፈትዉኻ ግና፥ ከም ፀሓይ፥ ከምቲ ፀሓይ ብሓይላ ኽትወፅእ እንተላ ዝኸውን።” ብድሕሪኡ እታ ሃገር ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ዓረፈት።