Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 1:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ኣእጋሩ፥ ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ፥ ዘንፀባርቕ ነሃስ ይመስላ ነበራ፤ ድምፁውን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያት ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 1:15
11 Referencias Cruzadas  

ካብ ድምፂ ብዙሕ ማያት፥ ካብ ብርቱዕ ማዕበላት ባሕሪ እውን፥ እግዚኣብሄር ብልዕልናኡ ዘደንቕ እዩ።


ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።


ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።


ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ።


ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ።


እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።


ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።


ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።


ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።


ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙሕ ሰብን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ “ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos